ዝበዝሓ ሃገራት ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ “ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ” ንዝብል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከምዝድግፋ ገሊጸን !

Posted by: MALACHIAN

ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፋ ሃገራት፣ መብዛሕተን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ንዝብል እማመ’ውን ደጊፈን።

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ብ8 ሰነ ዝቀረበ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብን፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝሓዘ ምሉእ ጸብጻቡ ናብቲ ባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ ፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶታተን ክህባ ዝተሓታ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረላ ዕለት፣ ንጻባሑ ኣሻሓት ዜጋታት ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ንምቕዋም ኣብ ጄኔቫ ተረኺቦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ በንጻር እዚ ግን መርማሪት ኮሚሽን ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምቕራባ ይጽዕር ምህላዉ ወቒሱ። በዚ ገበን እዚ ክትክሰስ ዝግብኣ ኢትዮጵያ’ያ ክብል’ውን ደምዲሙ።

Yemane-Gebreab-Eritrea

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ከምዝድግፋ ብምጥቃስ፣ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክወስድን ምስ መርማሪት ኮሚሽን ክተሓባባረን ጸዊዐን።

ነርወይን ብሪጣንያን በብወገነን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጉዳያትን ከምዝተዘራረባ ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ብዘምርኣዩ ከምዘጉሃየን ጠቒሰን።

ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዘይምህላዉን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ከምዝፍጸምን ብምጥቃስ፣ ኤርትራ ምስ ኮሚሽን ክትተሓባበርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ብምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክጽዕር’ውን ተላብያ።

ነርወይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ከም ማሕበር ጋዜጠኛታትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰሉ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽቐውም ክፈቕድ ሓቲታ።

ፈረንሳ ከኣ ካብዘን ሃገራት ብዘይፍለ ንርእይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ብምድጋፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ንኸየጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቡ ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ። ነቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረበ እማመ ዘለዋ ደገፍ ድማ ገሊጻ።

ኣመሪካ ብወገና ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን መግለጺታት ከምዘውጽአት ብምጥቃስ፣ በቲ ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ ከምእትኣምኖ ኣፍሊጣ።

hrc

ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ ምርጫ ክካየድ፣ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክፍትሑ ዝብል እማመ ብምቕራብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽን ብምትሕብባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸዊዓ።

እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን’ውን ካብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣይነበረንን።

ኩባ፣ ቻይና፣ ቬኔዙዌላን ከኣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ከምዝቓወማ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተን ልዝብን ክቕጽል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጸገማት መንግስቲ ኤርትራ ብግቡእ ተረዲኡ ኣብ ምፍትሑ ክተሓጋገዝን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ከይኣቱን ኣተሓሳሲበን።

ከም ጋናን ቦትስዋናን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበርን ብምጽዋዕ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ክቕጽልን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣፍደጌታቱ ንመርማሪት ኮሚሽን ከርሑን ሓቲተን።

ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን፣ ነቲ ብኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክድግፉ እንከለዉ፣ ወኪል ጅቡቲ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ጌና ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ ዝበሎም 13 ምሩኳት ኵናት፣ ደሃዮም ንምርካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ጻዕርታቱ ክቕጽል ጸዊዑ።

ኬንያ ብወገና ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ግቡእ ኣቓልቦ ክግብረሉን እማመ እታ መርማሪት ከኣ ክትግበርን ተማሕጺና።

ሰበ ስልጣናታ ብተመሳሊ ክሲ ዝድለዩ ሱዳን ግና እታ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ገሊጻ።

ብዘይካተን ወከልቲ ሃገራት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኣህጉራውያንን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ መደረታት ኣስሚዖም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼብኡ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ውሳኔ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

source:  http://www.erena.org

ዕሉል ሰምሳሪ መድሃኔ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ ናብ ዓዲ-ጣልያን ተረኪቡ !

Posted by : MALACHIAN

ብሓያል መርበብ ብምስግጋር ደቂ-ሰባት (human trafficking) ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ኤውሮፓ ዘሰጋገረን ከም ሳዕቤኑ ድማ ቡዙሓት ስደተኛታት ዝሃለቁሉ መርበብ ምስግጋር (ስምስርና) ዘመሓድር ዝነበረ ኤርትራዊ ጥርጡር ኣብ ካርቱም (ሱዳን) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ናብ መንግስቲ ጣልያን ተረኪቡ።

ሰብ-ስልጣን ዓዲ-ጣልያንን እንግሊዝን ከም ዝሓበርዎ ፡ መድሃኔ ይሕደጎ መረድ (ዕድመ 35) ዝተባህለ ብሰንበት ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ብቀጥታ ኣብታ ለይቲ ናብ ዓዲ-ጣልያን ኢዩ ተላኢኹ።

ነታ ዝተፍላለይ መርበባት ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝርከባ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕሉል ደላሊ (ሰምሳሪ) ደቂ-ሰባት ተካታቲልካ፡ ቀይድካ ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ምምጻእ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ኤሮውፓ ካብ ዝጅምር ናይ መጀመርታት ሙኻኑ ኢዩ።

ፍራንቸስኮ ሎ ቮይ ኣብ መግለጺኡ ” መድሃኔ ይሕደጎ መረድ ፡ ኣብ ምስግጋር ደቂ-ሰባት (ስምስርና) ዝገበሮ ኣበርክቶን ሓላፊ ናይቲ ቀንዲ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሊብያን ብሙኻኑን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ መጀመርታ ንስደተኛታት ምድረበዳ ሳሃራ ብምስግጋር ቀጺሉ ድማ ማእከላይ ባሕሪ ብምስግጋር ኢዩ ተኸሲሱ ዘሎ”

ኩሱስ መድሃኔ ይሕደጎ መረድ ምስቲ ገና ዝድለ ዘሎ ግርማይ ኤርምያስ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ከምዝሰርሑ ኢዩ ዝጥርጠር። እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ብምቅጻል “እዞም ክልተ ጡርጡራት መድሃኔን ኤርምያስን፡ ንስደተኛታት ንናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዘይበቅዓ ጀለቡ ስደተኛታት ብምጽፍጻፍ ካብ ሊብያ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ጣልያን ብምስግጋር ማእለያ ዘይቡሉ ገንዘብ ኢዮም ጊሒጦም ”

ሃገራዊ ወኪል ገበን ዓዲ-እንግሊዝ (Britain’s National Crime Agency) ከምዝሓበርዎ ፡ ንመድሃኔ ይሕደጎ መረድ ኣብ ሱዳን ብምክትታል ኢጣልያውያን ናይ ገበን ንርመርቲ ከምዝሓገዝዎምን ፡ ንመድሃኔ ድማ በታ ኣብ 2013 ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ (Lampedusa) ዓዲ-ጣልያን ዝጠሓለት መርከብ ብሞት 359 ስደተኛታት ተሓታቲ ሙኻኑን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መግለጺ መድሃኔ ይሕደጎ መረድ “ጀነራል” (The General) ዝብል ስም ኢዩ ዝፍለጥ። እቲ ምኽንያንት ድማ ሂወት መነባብሮኡ ከምቲ ዝሞተ ውልቀ-መላኺ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ቐዛፊ ስለ ዝኾነ።

ኣኽባሪ ሕጊ ቸቺልያ ካሎገሮ ፈራራ ንሮይቶርስ ኣብ ዝሓበሮ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲኦም ደላሎ መድሃኔን ኤርምያስን ተቓጻጺሮሞ ዝነበሩ መርበብ ካብቲ መጀመርታ ገሚትናዮ ዝነበርና ኣዝዩ ገዚፍን፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብጣዕሚ ስሩዑን ስሩዕን ኢዩ ጸኒሑና።

ፈራራ ብምቅጻል፡ ” ክልቲኦም ደላሎ (ሰምሰርቲ) ኣዚዮም ተበለጺቲ ስለዝኾኑ ኢዮም ፡ ዝተጨውዩ ሰድተኛታ ካብ ካልእት ገበነኛታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገዝኡ ዘነበሩ” ይብል ። ከምግምቱ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓንቲ መርከብ መገሻ ምስ 600 ስደተኛታ፡ ካብ 800,000 ክሳብ 1,000,000 ዶላር ይበጽሕ።

እዚ ናይ ደቂ-ሰብ ምስግጋር መርበብ ካብቲ ናይ ዓለምለኻዊ ሰርዓተ ሕጊ ተኻዊሉ ኢዩ ጸኒሑ ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዘርጊሑ ብሕቡእ ይንቅሳቀስ ሰለዘሎ ኢዩ።

ዓዲ-ጣልያን ብኩቱር ዋሕዚ ስደተኛታት ትሕመስ ኢያ ዘላ። ኣብ 2014 ኣስታት 170,000 ሰደተኛታት ንዓዲ-ጣልያን ብባሕሪ ኣትዮም፡ 2015 ድማ 153,000 ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማሕበር ሰደተኛታት (IOM). ሎሚ ዓመት ድማ ድሮ 40,00 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣትዮም ኣለዉ።

ካብ መጀመርታ 2014 ኣስታት 8,000 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዓዲ-ጣልያን ክኣትዉ ገሊኦም ድማ ንግሪኽ ክኣትዉን ከምዝጠሓሉን ይፍለጥ። መዲሲንስ ሳን ፍሮንቲርስ (Medecins San Frontieres) ከም ዝሓበሮ ኣስታት 900 ዝኮኑ ሰደተኛታት ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ከምዝመቱ ኣፍሊጡ።

ምንጪ፥- www.reuters.com

 

Breaking News: ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ህግደፍን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም መርማሪት ኮሚሽን ኣረጋጊጻ !

Posted by : MALACHIAN

ohchr_logo6-e1390843015977-450x300

መርማሪት ኮሚሽን ሎሚ 8 ሰነ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላው ኣረጋጊጻ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረበቶ 26 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ፍርሒ ምፍጣር፣ ንዜጋታት ብዘይፍርዲ ምእሳር፣ ሃለያቶም ከምዝጠፍእ ምግባር፣ ባርነት፣ ጾታዎ ዓመጽን ካልእ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ይፍጽም ምህላዉ ምስ መርትዖታት ኣሰንያ ኣቕሪባ ኣላ።

ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ሕሉፍ ምልኪ ነጊሱ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ድማ ንዜጋታት እታ ሃገር ግዳያት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ከምዘቃልዖም ኣስሚርሉ።

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ማይክ ስሚዝ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣ መግለጺ’ውን፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንዝፍጽሙ ኣካላት ዝሓተት ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ኤርትራ ብዘይምህላዉ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ሓላፍነት ብምውሳድ፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ይጠልብ።

ዜጋታት ኤርትራ ብሰንኪ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ይኹን ዝተፈልየ ሃይማኖት ግዳያት ማእሰርቲ፣ ስቃይን ሞትን ይኹኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ከም ውጽኢቱ ኤርትራውያን ብብዝሒ ከምዝስደዱ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፣ 47, 025 ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዘረጋገጸ መግለጺ እቲ ኣቦ መንበር፣ ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታቱ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ዕስክርና ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ሰነ 2015 ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ካብ ዝተሓበረሉ ንደሓር’ውን ዝኾነ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተራእየ እቲ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ።

እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጽሙ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ህግደፍን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ምዃኖም ብጽኑር ኣስፊራ ኣላ።

እታ ኮሚሽን መዝገብ ናይቶም ኣብዚ ገበን እዚ ኢድ ዘለዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ’ውን ኣዳልያ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ዝርዝር ኣስማቶም ብምስጢር ተታሒዙ ንዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ክርእይዎ ዝፍቐድ ምዃኑ ገሊጻ።

እዚ ጸብጻብ ኣብ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋባእ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ዘተ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ውሳኔ ክወሃበሉ’ዩ።

መርማሪት ኮሚሽን ኣብ 13 ሃገራት ብምዝውዋር ካብ 833 ሰባት ቃለ መጠይቕን ናይ ጽሑፍ ሰነዳትን ብምእካብ ንጸብጻባ ከምዘዳለት ትጠቕስ።

ንጸብጻብ እታ ኮሚሽን ዝቓወም 45, 000 ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከምዝበጽሓ’ውን ሓቢራ።

ምንጪ፥- http://www.erena.org

ውልቃዊ ሓኪም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ውዕል ስራሑ ኣቋሪጹ !

Posted by : MALACHIAN 

ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ጀሚሩ ከም ውልቃዊ ሓኪም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ረንደብ ፥ ሓደ ዓመት ዝተረፎ ውዕል ስራሑ ክቛረጽ ከምእተግብረ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት እንዳበጽሐ ነቲ መራሒ ሕክምናዊ ክትትል ኪገብር ዝጸንሐ ሓኪም ዝነበሮ ናይ 2 ዓመት ውዕል ሓደ ዓመት ምስተረፎ እዩ ዝፋኖ ዘሎ። እቲ ኢጣልያዊ ሓኪም ዝጸንሖ ሃንደበት ውዕል ክቋረጽ ዝተገብረሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን፥።ኣብ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ናይ መንበሪ ቦታ ተፈልዩሉ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ረንደብ ፥ ብዶክተር ምሕጹንን ሲስተር ሕርይቲ ቀለታን እንዳተሓገዘ እዩ ጥዕናዊ ኩነታት ፕረዚደንት ኢሳያስ ክከታተል ጸኒሑ።

እቲ ኢጣልያዊ ሓኪም ብ 27 ሚያዝያ ናብ ሃገሩ ከምእተፋነወ ዘመልከተ ወኪልና፥ መተካኣታ ናቱ ፕሮፌሶር ማሕሙድ ዝተባህለ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኢማዲ ናይ ቀጠር ዝቦታኡ በዓል ሞያ፣ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ግዜ ናብ ኤርትራ እንዳበጽሐ ንጥዕና ፕረዚደንት ኢሳያስ ክከታተል ተቖጺሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ምንጪ :- http://www.erimedrek.com 

ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት ሚያዝያ 03/2016 ዝኾኑ!

posted by: MALACHIAN

መርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ብሰንበት ዕለት 03/04/2016 ኣብ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተዓላሞ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝርዝር ሓቤረታ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ተዓላሞ ካብተን ንከተማ ዓሰብ ዝወስዳኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይን ዘሊሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን ከምሳዕቤኑ ጠያይት ከምዝተተኮሰሎም ኣፍሊጡ።

candles

ንኹሎም ንግዳያት መንግስተ ሰማይ ይቀበሎም !

ብሚያዝያ 03/2016 ካብተን ናይ ጽዕነት መካይን ንዝዘለሉ ተዓላሞ ብዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጠያይት ከምዝተወቕዑ ኣረጋጊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ገሊኦም ብጥይት ክቅተሉ እንከለዉ ገሊኦም ውን ብጥይት ቆሲሎም ከምኡ ውን ካልኦት ካብተን መካይን ኣብ ዝዘለሉሉ እዋን ምሰበርቲ ኣጋጢምዎም።

ብጠቕላላ 29 ተዓላሞ ግዳያት ሞትን ሞቅሰልትን ኮይኖም።

ሽዱሽተ ተዓላሞ (6) ብቅጽበት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተው-ሾመንተ (18) ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ተወሲዶም። ድሒሩ ግን ሓሙሽተ (5) ካብቶም ቁሱላት፡ ብዝነበሮም ከቢድ ሞቅሰልቲ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ክምዝዓረፉን እቶም ዝተረፉ ቁሱላት ድማ ኣብ ትሕቲ ጹኑዕ ሓለዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኡሙናት ምንጭታት ንመርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ከምዝሓበርዎ ፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ ቁሱላት ተዓላሞ ኣብ ኣዚዩ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለዉን እቲ ቁጽሪ ሙዉታት ክውስኽ ከምዝኽእልን ውን ኣተንቢሆም።

እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ገለ ካብቶም 18 ግዳያት ተዓላሞ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝርከቡ ኢዮም ፥

ዳዊት ሚካኤል
ኣብራሃም ፍስሃየ
ሃብቶም ግርማይ
መድሃኔ ገብረመድህን
ቢንያም ዘርኣይ
ዮናስ ጠዓመ
ሰዓረ ወልዳይ
ዮናታን ዓንደመስቀል
ባሲሊዮስ ዘምህረት
ሳሙኤል ተኪኤ
እቶም ዝተረፉ ኣስማቶም ንጊዚኡ ኣይተፈልጠን።

መርበብ ሓበሬታ ማርቲን ፕላውት ናይቶም ዝመቱ ግዳያት ኣስማት ብዝርዝር ከምዘለዎ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ገሊኦም ስድራቤታት ሙውታት፡ ሞት ደቆም ሰለዘይ ሰመዑ ንጊዚኡ ከምዝተዓቀበ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን እቲ መርበብ ሓቤረታ ናይ ክልተ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝዓረፉ ግዳያት መናእሰይ ፡ ስድራቤቶም ዝፈለጡን ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ኣስማት ጠቂሱ።

ጨዓይ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል ። ወዱ ንኣቶ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል ተቅማጢ ዓዲ-ጓዕዳድ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓለባ።
ያፈት ፍስሃየ መንገሻ ። ወዱ ንፍሰሃየ መንገሻ ተቐማጢ ማይ-ተመናይ ሰራሕተኛ ኣንዳ መገዕዝያ።
እዞም ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ክለተ ግዳያት፡ ካብቶም ተገዲዶም ንጋሽ-ባርካ ንታዕሊም ወሪዶም ዝነበሩ ተዓላሞ ከምዘይ ነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ክልተ ግዳያት ኣጋጣሚ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሮም ፡ ብዝተተኮሰ ጠያይት ብከቢድ ቖሲሎም ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ምስ ኣተዉ ኢዮም ዓሪፎም።

ምንጪ ፥ https://martinplaut.wordpress.com/2016/04/07/eritrea-naming-the-dead-and-injured-conscripts-in-asmara-shooting/

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ዝልኣኾም ስነ-ጠበባውያን ዑቕባ ይሓቱ !

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ከተማ ሜልቦርን ኣብ ዝወደቦ ፈስቲቫል ጓይላ ከጻውቱ ዝልኣኾም ክልተ ስነ ጥበባውያን ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም። እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ዘለዉ ስነ-ጠበባውያን፣ ድምጻዊ ኣኽሊሉ መብራህቶምን ሙዚቀኛ ዮሴፍ ኣሚነን ዝተባህሉ’ዮም።

Eritrean-Festival-Melbourne-Australia-2013-Aklilu-Mebrahtu-300x181

ድምጻዊ ኣኽሊሉ መብራህቶም

ኣብ ኤውሮጳ’ውን ዝተረፉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ። ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቐዲሙ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኤውሮጳን ክልእኮም ዝጸንሐ ድምጻውያንን ሙዚቐኛታትን’ውን በብዝኸድዎ ክተርፉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣጋጢምዎ ንዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ክሳራታት ንምሕዋይ፣ ብስም ፈስቲቫላትን ህዝባዊ ሰሚናራትን በብእዋኑ ንዘካይዶ ዘሎ ብጓይላን ሳዕስዒትን ዝተሰነየ ዝተፈላለየ መደባት፣ ቀጻሊ ህድማ ድምጻውያንን ሙዚቐኛታት የጋጥሞ ብምህላዉ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢርሉ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን በብእዋኑ ካብ ኤርትራ እናሃደሙ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናሰገሩ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ብዝሒ ስነጠበባውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘዝተላእኩ ስነ ጥበባውያን ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት ዝተርፉ ዘለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ደገፍቱ ጽዑቕ ዘመተ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

source: erena.org

ኤሮፓዊ ሕብረት ንኤርትራ ናይ 200 ሚሊዮን ኤሮ ሓገዝ ክህብ ሙኻኑ ኣፍሊጡ !

Posted by : MALACHIAN

European Union  long shadow flag with  a map of the african cont

ኤሮፓዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ደኽነት ንምምሓው ናይ 200 ሚልዮን ኤሮ ንኤርትራ ሓገዝ ክልግስ ሙኻኑ ኣፍሊጡ። ትማሊ 11 ታሕሳስ 2015 ኣብ መርበብ ሓቤረታኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ 200 ሚልዮን ኤሮ ንነዊሕ ዝዓለመ ሓገዝ ኮይኑ ፡ ኣብ ድኽነት ምንካይን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ለውጢ ንከምጽእ ብዝብል ሓሳብ ኢዩ ኣብ መበል 11 ዓመት ናይ ኤሮፓዊ ልምዓት ማዕከን (European Development Fund) ዝተገልጸ።

ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ጊዜ ኤሮፓዊ ሕብረት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መመልከቲ ፕሮግራም (National Indicative Programme) ብዝፍለጥ ጨንፈር ኣብ ጸዓትን ምሕደራን ክትሕግዝ እያ። እቲ ፕሮግራም ብ28 ኣባላት ኤሮፓዊ ሕብረት ሙሉእ ደገፍ ዝረኸበ ኢዩ።

እብቲ መግለጺ፡ ኣብ 2013 ኩለን 23 ኣባላት ኤሮፓዊ ሕብረት ን 78 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ንሃገራት ፓሲፊክን ካሪብያንን ካብ 2014-2020 ዘሎ ጊዜ ጥቅላላ ናይ 30.5 ቢልዮን ኤሮ ኩለንትናዊ ናይ ልምዓት ሓገዝ ክገብራ ሙኻነን ተሰማሚዕን ኢየን።

ንሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ጠውቁ ፥- european.union.press.realse