ውልቃዊ ሓኪም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ውዕል ስራሑ ኣቋሪጹ !

Posted by : MALACHIAN 

ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ጀሚሩ ከም ውልቃዊ ሓኪም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ረንደብ ፥ ሓደ ዓመት ዝተረፎ ውዕል ስራሑ ክቛረጽ ከምእተግብረ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት እንዳበጽሐ ነቲ መራሒ ሕክምናዊ ክትትል ኪገብር ዝጸንሐ ሓኪም ዝነበሮ ናይ 2 ዓመት ውዕል ሓደ ዓመት ምስተረፎ እዩ ዝፋኖ ዘሎ። እቲ ኢጣልያዊ ሓኪም ዝጸንሖ ሃንደበት ውዕል ክቋረጽ ዝተገብረሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን፥።ኣብ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ናይ መንበሪ ቦታ ተፈልዩሉ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ረንደብ ፥ ብዶክተር ምሕጹንን ሲስተር ሕርይቲ ቀለታን እንዳተሓገዘ እዩ ጥዕናዊ ኩነታት ፕረዚደንት ኢሳያስ ክከታተል ጸኒሑ።

እቲ ኢጣልያዊ ሓኪም ብ 27 ሚያዝያ ናብ ሃገሩ ከምእተፋነወ ዘመልከተ ወኪልና፥ መተካኣታ ናቱ ፕሮፌሶር ማሕሙድ ዝተባህለ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኢማዲ ናይ ቀጠር ዝቦታኡ በዓል ሞያ፣ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ግዜ ናብ ኤርትራ እንዳበጽሐ ንጥዕና ፕረዚደንት ኢሳያስ ክከታተል ተቖጺሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ምንጪ :- http://www.erimedrek.com 

!! ONE NATION, ONE STRUGGLE , ONE DESTINATION !!