ዝበዝሓ ሃገራት ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ “ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ” ንዝብል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ከምዝድግፋ ገሊጸን !

Posted by: MALACHIAN

ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝተጋብአ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፋ ሃገራት፣ መብዛሕተን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ከምዝድግፋ ኣረጋጊጸን።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ንዝብል እማመ’ውን ደጊፈን።

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ነቲ ብ8 ሰነ ዝቀረበ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብን፣ ነቲ ገበን ዝፈጸሙ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝብል እማመን ዝሓዘ ምሉእ ጸብጻቡ ናብቲ ባይቶ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ ፣ ዝተፈላለያ ሃገራት ርእይቶታተን ክህባ ዝተሓታ።

ወኪል መንግስቲ ኤርትራ፣ ሰማእታትና ኣብ እንዝክረላ ዕለት፣ ንጻባሑ ኣሻሓት ዜጋታት ንጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ንምቕዋም ኣብ ጄኔቫ ተረኺቦም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ በንጻር እዚ ግን መርማሪት ኮሚሽን ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንምቕራባ ይጽዕር ምህላዉ ወቒሱ። በዚ ገበን እዚ ክትክሰስ ዝግብኣ ኢትዮጵያ’ያ ክብል’ውን ደምዲሙ።

Yemane-Gebreab-Eritrea

ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ፣ ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ከምዝድግፋ ብምጥቃስ፣ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክወስድን ምስ መርማሪት ኮሚሽን ክተሓባባረን ጸዊዐን።

ነርወይን ብሪጣንያን በብወገነን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ካልእ ጉዳያትን ከምዝተዘራረባ ብምርግጋጽ፣ እቲ መንግስቲ ዛጊት ዝኾነ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ብዘምርኣዩ ከምዘጉሃየን ጠቒሰን።

ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ዘይምህላዉን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእሰርትን ከምዝፍጸምን ብምጥቃስ፣ ኤርትራ ምስ ኮሚሽን ክትተሓባበርን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽንን ፍልይቲ ልእኽትን ብምትሕብባር ሰብኣዊ መሰላት ዝመሓየሸሉ ኩነታት ክጽዕር’ውን ተላብያ።

ነርወይ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ ከም ማሕበር ጋዜጠኛታትን ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰሉ በርጌሳውያን ማሕበራት ንኽቐውም ክፈቕድ ሓቲታ።

ፈረንሳ ከኣ ካብዘን ሃገራት ብዘይፍለ ንርእይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ጸብጻብ መርማሪ ኮሚሽን ከምዘለዎ ብምድጋፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንመርማሪ ኮሚሽን ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ንኸየጽንዕ ፍቓድ ዘይምሃቡ ከምዘተሓሳስባ ሓቢራ። ነቲ በታ ኮሚሽን ዝቐረበ እማመ ዘለዋ ደገፍ ድማ ገሊጻ።

ኣመሪካ ብወገና ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብዝምልከት ተደጋጋሚ እዋን መግለጺታት ከምዘውጽአት ብምጥቃስ፣ በቲ ኮሚሽን ዝቀረበ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ ዝጠቕስ ጸብጻብ ከምእትኣምኖ ኣፍሊጣ።

hrc

ናይ 1997 ቅዋም ክትግበር፣ ምርጫ ክካየድ፣ ብዘይፍርዲ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ክፍትሑ ዝብል እማመ ብምቕራብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መርማሪት ኮሚሽን ብምትሕብባር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽ ጸዊዓ።

እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳን ኣውስትራልያን’ውን ካብተን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣይነበረንን።

ኩባ፣ ቻይና፣ ቬኔዙዌላን ከኣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ መልክዕ ምሓዙ ከምዝቓወማ ብምጥቃስ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተን ልዝብን ክቕጽል፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንጸገማት መንግስቲ ኤርትራ ብግቡእ ተረዲኡ ኣብ ምፍትሑ ክተሓጋገዝን ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ ከይኣቱን ኣተሓሳሲበን።

ከም ጋናን ቦትስዋናን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 1997 ቅዋም ክትግበርን ብምጽዋዕ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝርርብ ክቕጽልን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ኣፍደጌታቱ ንመርማሪት ኮሚሽን ከርሑን ሓቲተን።

ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን፣ ነቲ ብኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ከምዘለዎ ክድግፉ እንከለዉ፣ ወኪል ጅቡቲ ከኣ ብዛዕባ’ቶም ጌና ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ ዝበሎም 13 ምሩኳት ኵናት፣ ደሃዮም ንምርካብ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ጻዕርታቱ ክቕጽል ጸዊዑ።

ኬንያ ብወገና ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ ጸብጻብ ግቡእ ኣቓልቦ ክግብረሉን እማመ እታ መርማሪት ከኣ ክትግበርን ተማሕጺና።

ሰበ ስልጣናታ ብተመሳሊ ክሲ ዝድለዩ ሱዳን ግና እታ ኮሚሽን ንኤርትራ ከይበጽሐት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ምቕራቡ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢላ ከምእትኣምን ገሊጻ።

ብዘይካተን ወከልቲ ሃገራት፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ኣህጉራውያንን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ መደረታት ኣስሚዖም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣኼብኡ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ውሳኔ ከሕልፍ ትጽቢት ይግበረሉ።

source:  http://www.erena.org

ዕሉል ሰምሳሪ መድሃኔ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ ናብ ዓዲ-ጣልያን ተረኪቡ !

Posted by : MALACHIAN

ብሓያል መርበብ ብምስግጋር ደቂ-ሰባት (human trafficking) ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ኤውሮፓ ዘሰጋገረን ከም ሳዕቤኑ ድማ ቡዙሓት ስደተኛታት ዝሃለቁሉ መርበብ ምስግጋር (ስምስርና) ዘመሓድር ዝነበረ ኤርትራዊ ጥርጡር ኣብ ካርቱም (ሱዳን) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ናብ መንግስቲ ጣልያን ተረኪቡ።

ሰብ-ስልጣን ዓዲ-ጣልያንን እንግሊዝን ከም ዝሓበርዎ ፡ መድሃኔ ይሕደጎ መረድ (ዕድመ 35) ዝተባህለ ብሰንበት ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ብቀጥታ ኣብታ ለይቲ ናብ ዓዲ-ጣልያን ኢዩ ተላኢኹ።

ነታ ዝተፍላለይ መርበባት ምስግጋር ደቂ-ሰባት ዝርከባ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕሉል ደላሊ (ሰምሳሪ) ደቂ-ሰባት ተካታቲልካ፡ ቀይድካ ኣብ ቅድሚ ቤት-ፍርዲ ምምጻእ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ቅልውላው ስደተኛታት ኣብ ኤሮውፓ ካብ ዝጅምር ናይ መጀመርታት ሙኻኑ ኢዩ።

ፍራንቸስኮ ሎ ቮይ ኣብ መግለጺኡ ” መድሃኔ ይሕደጎ መረድ ፡ ኣብ ምስግጋር ደቂ-ሰባት (ስምስርና) ዝገበሮ ኣበርክቶን ሓላፊ ናይቲ ቀንዲ ምስግጋር ደቂ-ሰባት ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሊብያን ብሙኻኑን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ መጀመርታ ንስደተኛታት ምድረበዳ ሳሃራ ብምስግጋር ቀጺሉ ድማ ማእከላይ ባሕሪ ብምስግጋር ኢዩ ተኸሲሱ ዘሎ”

ኩሱስ መድሃኔ ይሕደጎ መረድ ምስቲ ገና ዝድለ ዘሎ ግርማይ ኤርምያስ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ብሓባር ከምዝሰርሑ ኢዩ ዝጥርጠር። እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ብምቅጻል “እዞም ክልተ ጡርጡራት መድሃኔን ኤርምያስን፡ ንስደተኛታት ንናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዘይበቅዓ ጀለቡ ስደተኛታት ብምጽፍጻፍ ካብ ሊብያ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ጣልያን ብምስግጋር ማእለያ ዘይቡሉ ገንዘብ ኢዮም ጊሒጦም ”

ሃገራዊ ወኪል ገበን ዓዲ-እንግሊዝ (Britain’s National Crime Agency) ከምዝሓበርዎ ፡ ንመድሃኔ ይሕደጎ መረድ ኣብ ሱዳን ብምክትታል ኢጣልያውያን ናይ ገበን ንርመርቲ ከምዝሓገዝዎምን ፡ ንመድሃኔ ድማ በታ ኣብ 2013 ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ (Lampedusa) ዓዲ-ጣልያን ዝጠሓለት መርከብ ብሞት 359 ስደተኛታት ተሓታቲ ሙኻኑን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መግለጺ መድሃኔ ይሕደጎ መረድ “ጀነራል” (The General) ዝብል ስም ኢዩ ዝፍለጥ። እቲ ምኽንያንት ድማ ሂወት መነባብሮኡ ከምቲ ዝሞተ ውልቀ-መላኺ መራሒ ሊብያ ነበር ሙዓመር ቐዛፊ ስለ ዝኾነ።

ኣኽባሪ ሕጊ ቸቺልያ ካሎገሮ ፈራራ ንሮይቶርስ ኣብ ዝሓበሮ ዝሓለፈ ዓመት ክልቲኦም ደላሎ መድሃኔን ኤርምያስን ተቓጻጺሮሞ ዝነበሩ መርበብ ካብቲ መጀመርታ ገሚትናዮ ዝነበርና ኣዝዩ ገዚፍን፡ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብጣዕሚ ስሩዑን ስሩዕን ኢዩ ጸኒሑና።

ፈራራ ብምቅጻል፡ ” ክልቲኦም ደላሎ (ሰምሰርቲ) ኣዚዮም ተበለጺቲ ስለዝኾኑ ኢዮም ፡ ዝተጨውዩ ሰድተኛታ ካብ ካልእት ገበነኛታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝገዝኡ ዘነበሩ” ይብል ። ከምግምቱ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓንቲ መርከብ መገሻ ምስ 600 ስደተኛታ፡ ካብ 800,000 ክሳብ 1,000,000 ዶላር ይበጽሕ።

እዚ ናይ ደቂ-ሰብ ምስግጋር መርበብ ካብቲ ናይ ዓለምለኻዊ ሰርዓተ ሕጊ ተኻዊሉ ኢዩ ጸኒሑ ምኽንያቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዘርጊሑ ብሕቡእ ይንቅሳቀስ ሰለዘሎ ኢዩ።

ዓዲ-ጣልያን ብኩቱር ዋሕዚ ስደተኛታት ትሕመስ ኢያ ዘላ። ኣብ 2014 ኣስታት 170,000 ሰደተኛታት ንዓዲ-ጣልያን ብባሕሪ ኣትዮም፡ 2015 ድማ 153,000 ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማሕበር ሰደተኛታት (IOM). ሎሚ ዓመት ድማ ድሮ 40,00 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣትዮም ኣለዉ።

ካብ መጀመርታ 2014 ኣስታት 8,000 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዓዲ-ጣልያን ክኣትዉ ገሊኦም ድማ ንግሪኽ ክኣትዉን ከምዝጠሓሉን ይፍለጥ። መዲሲንስ ሳን ፍሮንቲርስ (Medecins San Frontieres) ከም ዝሓበሮ ኣስታት 900 ዝኮኑ ሰደተኛታት ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ከምዝመቱ ኣፍሊጡ።

ምንጪ፥- www.reuters.com

 

Breaking News: ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ህግደፍን ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም መርማሪት ኮሚሽን ኣረጋጊጻ !

Posted by : MALACHIAN

ohchr_logo6-e1390843015977-450x300

መርማሪት ኮሚሽን ሎሚ 8 ሰነ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላው ኣረጋጊጻ።

እታ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረበቶ 26 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ፍርሒ ምፍጣር፣ ንዜጋታት ብዘይፍርዲ ምእሳር፣ ሃለያቶም ከምዝጠፍእ ምግባር፣ ባርነት፣ ጾታዎ ዓመጽን ካልእ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ይፍጽም ምህላዉ ምስ መርትዖታት ኣሰንያ ኣቕሪባ ኣላ።

ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ሕሉፍ ምልኪ ነጊሱ ምህላዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፣ እዚ ድማ ንዜጋታት እታ ሃገር ግዳያት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ከምዘቃልዖም ኣስሚርሉ።

ኣቦ መንበር መርማሪት ኮሚሽን ማይክ ስሚዝ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣ መግለጺ’ውን፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንዝፍጽሙ ኣካላት ዝሓተት ፍርዳዊ ኣካል ኣብ ኤርትራ ብዘይምህላዉ ኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ሓላፍነት ብምውሳድ፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከቕርቦ ይጠልብ።

ዜጋታት ኤርትራ ብሰንኪ ዘለዎም ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ይኹን ዝተፈልየ ሃይማኖት ግዳያት ማእሰርቲ፣ ስቃይን ሞትን ይኹኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ከም ውጽኢቱ ኤርትራውያን ብብዝሒ ከምዝስደዱ ኣመልኪቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፣ 47, 025 ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዘረጋገጸ መግለጺ እቲ ኣቦ መንበር፣ ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቕታቱ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ወትሃደራዊ ዕስክርና ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ሰነ 2015 ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ካብ ዝተሓበረሉ ንደሓር’ውን ዝኾነ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተራእየ እቲ ጸብጻብ ኣተሓሳሲቡ።

እታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጽሙ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝርከብዎም ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ህግደፍን ትካል ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ምዃኖም ብጽኑር ኣስፊራ ኣላ።

እታ ኮሚሽን መዝገብ ናይቶም ኣብዚ ገበን እዚ ኢድ ዘለዎም ሰበ ስልጣን መንግስቲ’ውን ኣዳልያ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ዝርዝር ኣስማቶም ብምስጢር ተታሒዙ ንዝምልከቶም ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ክርእይዎ ዝፍቐድ ምዃኑ ገሊጻ።

እዚ ጸብጻብ ኣብ 21 ሰነ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋባእ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ናብ ዘተ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ውሳኔ ክወሃበሉ’ዩ።

መርማሪት ኮሚሽን ኣብ 13 ሃገራት ብምዝውዋር ካብ 833 ሰባት ቃለ መጠይቕን ናይ ጽሑፍ ሰነዳትን ብምእካብ ንጸብጻባ ከምዘዳለት ትጠቕስ።

ንጸብጻብ እታ ኮሚሽን ዝቓወም 45, 000 ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ከምዝበጽሓ’ውን ሓቢራ።

ምንጪ፥- http://www.erena.org

ውልቃዊ ሓኪም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ውዕል ስራሑ ኣቋሪጹ !

Posted by : MALACHIAN 

ካብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ጀሚሩ ከም ውልቃዊ ሓኪም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ረንደብ ፥ ሓደ ዓመት ዝተረፎ ውዕል ስራሑ ክቛረጽ ከምእተግብረ ወኪል ድምጺ መድረኽ ካብ ከተማ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት እንዳበጽሐ ነቲ መራሒ ሕክምናዊ ክትትል ኪገብር ዝጸንሐ ሓኪም ዝነበሮ ናይ 2 ዓመት ውዕል ሓደ ዓመት ምስተረፎ እዩ ዝፋኖ ዘሎ። እቲ ኢጣልያዊ ሓኪም ዝጸንሖ ሃንደበት ውዕል ክቋረጽ ዝተገብረሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን፥።ኣብ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ ናይ መንበሪ ቦታ ተፈልዩሉ ዝጸንሐ ኢጣልያዊ ዶክተር ኣልቤርቶ ረንደብ ፥ ብዶክተር ምሕጹንን ሲስተር ሕርይቲ ቀለታን እንዳተሓገዘ እዩ ጥዕናዊ ኩነታት ፕረዚደንት ኢሳያስ ክከታተል ጸኒሑ።

እቲ ኢጣልያዊ ሓኪም ብ 27 ሚያዝያ ናብ ሃገሩ ከምእተፋነወ ዘመልከተ ወኪልና፥ መተካኣታ ናቱ ፕሮፌሶር ማሕሙድ ዝተባህለ ኣብ ሆስፒታል ኣል-ኢማዲ ናይ ቀጠር ዝቦታኡ በዓል ሞያ፣ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ግዜ ናብ ኤርትራ እንዳበጽሐ ንጥዕና ፕረዚደንት ኢሳያስ ክከታተል ተቖጺሩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ምንጪ :- http://www.erimedrek.com 

ኣስማት ሙውታትን ቁሱላትን ኤርትራውያን ተዓላሞ፡ ግዳያት ሚያዝያ 03/2016 ዝኾኑ!

posted by: MALACHIAN

መርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ብሰንበት ዕለት 03/04/2016 ኣብ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተዓላሞ ዝተኻየደ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ዝርዝር ሓቤረታ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ተዓላሞ ካብተን ንከተማ ዓሰብ ዝወስዳኦም ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይን ዘሊሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን ከምሳዕቤኑ ጠያይት ከምዝተተኮሰሎም ኣፍሊጡ።

candles

ንኹሎም ንግዳያት መንግስተ ሰማይ ይቀበሎም !

ብሚያዝያ 03/2016 ካብተን ናይ ጽዕነት መካይን ንዝዘለሉ ተዓላሞ ብዘስካሕክሕ ፍጻመ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጠያይት ከምዝተወቕዑ ኣረጋጊጹ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ገሊኦም ብጥይት ክቅተሉ እንከለዉ ገሊኦም ውን ብጥይት ቆሲሎም ከምኡ ውን ካልኦት ካብተን መካይን ኣብ ዝዘለሉሉ እዋን ምሰበርቲ ኣጋጢምዎም።

ብጠቕላላ 29 ተዓላሞ ግዳያት ሞትን ሞቅሰልትን ኮይኖም።

ሽዱሽተ ተዓላሞ (6) ብቅጽበት ክሞቱ እንከለዉ፡ ዓሰርተው-ሾመንተ (18) ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ተወሲዶም። ድሒሩ ግን ሓሙሽተ (5) ካብቶም ቁሱላት፡ ብዝነበሮም ከቢድ ሞቅሰልቲ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ክምዝዓረፉን እቶም ዝተረፉ ቁሱላት ድማ ኣብ ትሕቲ ጹኑዕ ሓለዋ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኡሙናት ምንጭታት ንመርበብ ሓቤረታ ማርቲን ፕላውት ከምዝሓበርዎ ፡ እቶም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ዘለዉ ቁሱላት ተዓላሞ ኣብ ኣዚዩ ሕማቅ ኩነታት ከምዘለዉን እቲ ቁጽሪ ሙዉታት ክውስኽ ከምዝኽእልን ውን ኣተንቢሆም።

እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ገለ ካብቶም 18 ግዳያት ተዓላሞ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝርከቡ ኢዮም ፥

ዳዊት ሚካኤል
ኣብራሃም ፍስሃየ
ሃብቶም ግርማይ
መድሃኔ ገብረመድህን
ቢንያም ዘርኣይ
ዮናስ ጠዓመ
ሰዓረ ወልዳይ
ዮናታን ዓንደመስቀል
ባሲሊዮስ ዘምህረት
ሳሙኤል ተኪኤ
እቶም ዝተረፉ ኣስማቶም ንጊዚኡ ኣይተፈልጠን።

መርበብ ሓበሬታ ማርቲን ፕላውት ናይቶም ዝመቱ ግዳያት ኣስማት ብዝርዝር ከምዘለዎ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ገሊኦም ስድራቤታት ሙውታት፡ ሞት ደቆም ሰለዘይ ሰመዑ ንጊዚኡ ከምዝተዓቀበ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ግን እቲ መርበብ ሓቤረታ ናይ ክልተ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝዓረፉ ግዳያት መናእሰይ ፡ ስድራቤቶም ዝፈለጡን ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ኣስማት ጠቂሱ።

ጨዓይ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል ። ወዱ ንኣቶ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል ተቅማጢ ዓዲ-ጓዕዳድ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓለባ።
ያፈት ፍስሃየ መንገሻ ። ወዱ ንፍሰሃየ መንገሻ ተቐማጢ ማይ-ተመናይ ሰራሕተኛ ኣንዳ መገዕዝያ።
እዞም ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ክለተ ግዳያት፡ ካብቶም ተገዲዶም ንጋሽ-ባርካ ንታዕሊም ወሪዶም ዝነበሩ ተዓላሞ ከምዘይ ነበሩ ተፈሊጡ ኣሎ። እዞም ክልተ ግዳያት ኣጋጣሚ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሮም ፡ ብዝተተኮሰ ጠያይት ብከቢድ ቖሲሎም ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ምስ ኣተዉ ኢዮም ዓሪፎም።

ምንጪ ፥ https://martinplaut.wordpress.com/2016/04/07/eritrea-naming-the-dead-and-injured-conscripts-in-asmara-shooting/

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ዝልኣኾም ስነ-ጠበባውያን ዑቕባ ይሓቱ !

ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ኣውስትራልያ፣ ከተማ ሜልቦርን ኣብ ዝወደቦ ፈስቲቫል ጓይላ ከጻውቱ ዝልኣኾም ክልተ ስነ ጥበባውያን ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም። እቶም ኣብ ኣውስትራልያ ዑቕባ ንምሕታት ተሪፎም ዘለዉ ስነ-ጠበባውያን፣ ድምጻዊ ኣኽሊሉ መብራህቶምን ሙዚቀኛ ዮሴፍ ኣሚነን ዝተባህሉ’ዮም።

Eritrean-Festival-Melbourne-Australia-2013-Aklilu-Mebrahtu-300x181

ድምጻዊ ኣኽሊሉ መብራህቶም

ኣብ ኤውሮጳ’ውን ዝተረፉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ። ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቐዲሙ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኤውሮጳን ክልእኮም ዝጸንሐ ድምጻውያንን ሙዚቐኛታትን’ውን በብዝኸድዎ ክተርፉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣጋጢምዎ ንዘሎ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ክሳራታት ንምሕዋይ፣ ብስም ፈስቲቫላትን ህዝባዊ ሰሚናራትን በብእዋኑ ንዘካይዶ ዘሎ ብጓይላን ሳዕስዒትን ዝተሰነየ ዝተፈላለየ መደባት፣ ቀጻሊ ህድማ ድምጻውያንን ሙዚቐኛታት የጋጥሞ ብምህላዉ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢርሉ ይርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን በብእዋኑ ካብ ኤርትራ እናሃደሙ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን እናሰገሩ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ዘለዉ ብዝሒ ስነጠበባውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ዘዝተላእኩ ስነ ጥበባውያን ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት ዝተርፉ ዘለዉ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር እቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ደገፍቱ ጽዑቕ ዘመተ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

source: erena.org

ኤሮፓዊ ሕብረት ንኤርትራ ናይ 200 ሚሊዮን ኤሮ ሓገዝ ክህብ ሙኻኑ ኣፍሊጡ !

Posted by : MALACHIAN

European Union  long shadow flag with  a map of the african cont

ኤሮፓዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ደኽነት ንምምሓው ናይ 200 ሚልዮን ኤሮ ንኤርትራ ሓገዝ ክልግስ ሙኻኑ ኣፍሊጡ። ትማሊ 11 ታሕሳስ 2015 ኣብ መርበብ ሓቤረታኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ 200 ሚልዮን ኤሮ ንነዊሕ ዝዓለመ ሓገዝ ኮይኑ ፡ ኣብ ድኽነት ምንካይን ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ለውጢ ንከምጽእ ብዝብል ሓሳብ ኢዩ ኣብ መበል 11 ዓመት ናይ ኤሮፓዊ ልምዓት ማዕከን (European Development Fund) ዝተገልጸ።

ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ጊዜ ኤሮፓዊ ሕብረት ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ መመልከቲ ፕሮግራም (National Indicative Programme) ብዝፍለጥ ጨንፈር ኣብ ጸዓትን ምሕደራን ክትሕግዝ እያ። እቲ ፕሮግራም ብ28 ኣባላት ኤሮፓዊ ሕብረት ሙሉእ ደገፍ ዝረኸበ ኢዩ።

እብቲ መግለጺ፡ ኣብ 2013 ኩለን 23 ኣባላት ኤሮፓዊ ሕብረት ን 78 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ ድማ ንሃገራት ፓሲፊክን ካሪብያንን ካብ 2014-2020 ዘሎ ጊዜ ጥቅላላ ናይ 30.5 ቢልዮን ኤሮ ኩለንትናዊ ናይ ልምዓት ሓገዝ ክገብራ ሙኻነን ተሰማሚዕን ኢየን።

ንሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብዚ ጠውቁ ፥- european.union.press.realse

 

ሓዲሽ ባጤራ ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ዘይምትእምማን ይፈጥር !

posted by: MALACHIAN

ከምቲ ኣብቲ ኣዋጅ ዝተዘርበሉ ” ንምልላዩ ዘየጸግም” ተባሂሉ እካ እንተ ተነግረ ፥ ኣብ ክውንነት መጺእካ ግን ካብቲ ናይ ቀደም ባጠራ ብዓይንኻ ዝረአ ቡዙሕ ፍልልይ የቡሉን። እንተ ሃለወ ድማ ፡ እቲ ዕለተ ሕትመት “24 ግንቦት 2015” ወይ ድማ ኣብ ሚኢቲ ናቅፋ ድማ “24 ግንቦት 2011” ፡ ተገይሩ ምሕታሙ ጥራሕ ኢዩ።

እዚ ተሓቲሙ ዘሎ ባጠራ ንቡዙሓት ዜጋታት ከም ዘደናግር ዘሎን፡ ንቡዙሓት ግዳያት ምትላል ከም ዝገብር ዘሎን ህሉው ኩንተታት ኤርትራ ዝምስኮሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ ። ዘይተማህሩ ዜጋታት፡ ትሕተ ዕድመ ቖልዑ፡ ኣረጋውያን ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ብፍላይ ከኣ ዓይነ-ስውራን ንዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ሓደጋ የእቲዩ ኣሎ።

ንኣብ ስርቅን ምትላልን ዝተዋፈሩ ሓደሓደ ሕልና ኣልቦ ዜጋታት ድማ ንምትብባዕን፡ ኣብ ዕዳጋታት ዘይ ተደልየ ምድንጋራት ምትላልን ንምፍጣር ዓቢ ናይ ብልሽውና ባብ ከፊቱ ይርከብ። ኣብዚ ለንቅነ ከም ዝበጽሓና ሓቤረታ ፡ ሓደሓደ ውልቀ-ሰባት ዝኣረገ ባጤራ ኣብ መንጎ ሓዲሽ ጥማር ባጤራ ብምእታው፡ ሰብ ከደናግሩ ይፍትኑ ምህላዎም ኢዩ። ኣብ መንጎ ዓዳጋይን ሸያጣይን ኮነ ኣብ መንጎ ሸቃጦ ዝግበር ልውውጥ ዘይተደልየ ምርድዳእን፡ ዘይምትእምማንን ፈጢሩ ምህላዉ ኢዩ።

 

“Fake your death to fool your enemies” Niccolo Machiavelli.

Posted by : MALACHIAN

About two years ago or so I posted an article on my blog, on how Issiass Afeworki’s actions are related to Niccolo Machiavelli’ teachings. And the relation about the other evil books that teach about power , seduction , boldness e.t.c on relation to mr. Afeworki .


“Fake your death to fool your enemies” . This is a famous quote by one of the world’s most controversial and powerful Italian war strategist, writer, philosopher and historian Niccolo Machiavelli. In simple , In his teaching , he advocates if a leader fakes his death/is out of sight for some time, he can come back attack his enemies again. The leader can know who is his real treat and rumors can bring him informations about people who are hungry for power. And also helps him to understand and gives him a bird-eye view on how the land is managed without him. And also most important is to let the people to know and to understand how important he is . Because most dictators after being in power for so long they consider themselves as the fathers of the nation or as a unifying figures or simply as people who knows the best for their people.

ISSAISS’S OBSESSION OVER MACHAVELI TEACHINGS

One might wonder ” how is Issaiss always outsmarted his colleagues for almost four decades in a row “? Well, To understand his behavior (state of mind) and to expect what his next bold move is, one has to make a background check on him. By collecting his every and single major decision and actions possible. Then these actions and decisions always have links to some sort of hidden causes of course. But also they are related to one another and they are in sequence which helps to determine you his next move or action or where he is heading. The methods he applies are a genuine teaching of again MACHAVELI.

You see, during the armed struggle, this guy was investing intensively on himself specially by learning and reading all the dirty, bold and bloody tricks. He distanced himself from his colleagues specially from those who can distract and derail him from his dream. He was mastering all the evil books he can get , he practiced all the evil tricks in real live situations until he became a master and confident enough that leads him to be paranoia. Thats why he is always 10+ years ahead of his peers. He was always busy and cautious to achieve his ultimate goal. And he achived it , of course. Even now everything is going according to his plan. that’s why his every and single decision is a calculated move.

Someone might argue that Issiass Afeworki is not that smart enough, or others may say ” look what have he done to the country ?” Well, you have the right to say, he is immoral, paranoid, evil , blood sucking monster or what ever…. But look, This guy is going according to his OWN vision/plan. And by the way , according to him his ultimate goal is to stay in power any means necessary. And he is still in power, so according to him he is successful on what he plans. ” be the Boss , at all cost” or you might say “ends justify means” again Niccolo Machiavelli. He defines succes according to his own set goals not according to your goals.

So a guy like Issaiss with much blood on his hand , who has nobody to trust, who has nightmares on his sleep, who has extreme paranoia , and who leads a life through a strict Machavelian way ; won’t let anybody closer let alone to let them interfere in their life time project . There is only one way to terminate him and that’s the only way he understands. “those who live by the sword , shall perish by the sword” or if I might say “those who live by the gun , shall die by the gun”.

10 Eritrean players remain in Francistown- Botswana ! 10 ተጻወቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ፍራንሲስታውን (ቦትስዋና) ዑቕባ ሓቲቶም! 

Posted by : MALACHIAN

ኣብ ሞንጎ ሃገራውያን ጋንታ ኤርትራን ቦትስዋናን ዝነበረ ጸውታ ብዓወት ቦትስዋና 3-1 ሎሚ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ ተዛዚሙ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ 10 ካብ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ፍራንሲስታውን (ቦትስዋና) ፖሊትካዊ ዑቅባ ከምዝሓተቱ መንግስቲ ቦትስዋና ኣፍሊጡ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ጸወታ ንክዕዘብ ኣብ ቦትስዋና ብምንባሩ: ነቶም ተጻወቲ ንክምለሱ ጎስጎስን መብጽዓን እኳ እንተ ገበረሎም : ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን። ድሕሪ ቡዙሕ ሕንፍሽፍሽን ናይ ኣየር ምድንጋያትን ድማ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዝትተረፉ14 ተጻወትን ኣባላትን ሒዛ ናብ ኤርትራ ተበጊሳ።

News coming in from Francistown is that only 14 Eritrean players will be taking their flight home from Gaborone this evening while the other ten have refused and opted to remain in the custody of Kutlwano Police in Francistown.The visiting national team which was supposed to have jetted out from Francistown International Airport early this morning, only left by bus with 14 players and officials under heavy police escort to Gaborone, after missing their flight.

The team is scheduled to board their flight to Johannesburg and eventually transit back to their home country, at around 18hrs20 this evening.

Despite the intervention and persuasion of their Ambassador based in South Africa, who was in the country to watch the World Cup preliminaries match, the disgruntled players refused to go back to their home country.

According to Botswana Football Association Vice President-Administration, Basadi Akoonyatse, the Eritrean players were found missing from their hotel rooms early this morning by the team officials. “A report was made to the police who spotted them loitering around Francistown, alleging that they were in search of a Red Cross centre where they could seek assistance for the NGO to lobby on their behalf to be accorded asylum in Botswana,” she said.


While investigations are still ongoing on why the 10 Eritreans are not happy about going back home, The Voice has established that the distressed men have stated that they are forced to join the Eritrea army, something they don’t fancy as their dream is to play professional football.

Akeonyatse said the players from the Horn of Africa are now in the hands of Immigration, police and security authorities.

“We are yet to establish the reasons the players have declined to go back and whether they are really seeking asylum. It is from hence forth that it will be determined what the next move concerning this issue will be.”

The Red Sea Camels who lost 3-1 to the Zebras last night at the Francistown Sports Complex, were supposed to have been out of Botswana by 4pm today (Wednesday), but due to the disappearance of some of the team members, their travel arrangements had to be rescheduled. “Because we do not have an evening flight from Francistown, we were left with no option but to ferry the 14 players by road to Gaborone,” indicated Akoonyatse.

Meanwhile, Akoonyatse said, the players who have absconded going home are still in the country legally until the expiry of their visas Which are normally valid for a day or two after the game.

Source: http://www.thevoicebw.com